ብዛዕባና

ኣድማን ኢንተርናሽዮናል ብናአል ቱካን ኣብ 1975 ተመስሪቱ፡ ኣብ’ዚ እዋን እዚ እቲ ኣብ ሽወደን ዝነውሐ ዕድመ
ዘለዎ ናይ ምትርጓም ቤት ጽሕፈት እዩ። ኤለና ቱካን ብኣማኢታት ዝቑጸሩ ናይ ጨረታ ውድድር ምሳዓር ተመኵሮ
ዘለዋ፡ ናይ’ቲ ኩባንያ ናይ ናንዮት ሓላፊትን ናይ ጨረታ ኪኢላን እያ። ብ265 ዝተፈላልለየ ቋንቋታትን ላህጃታትን
ዝሰርሑ ምስ ናይ’ዚ ሃገር ቀንዲ ተርጎምቲ ናይ ቀረባ ምትሕብባር ኣለና።
ከም ሓደ ገዲም ተዋሳኣይ ናይ’ዚ ጨንፈር ዝምድናታትና ንምጽዋን ንዓና ባህርያዊ እዩ። ዕላማና ናይ ልዑል ትሕዝቶ
ዝሓዘ ኣገልግሎት ምትርጓም ብምትሕልላፍ ምስ ዓማዊልና ናይ ነዊሕ እዋን ዝምድናታት ንምምስራት እዩ።
ከምኡ’ውን ንሰራሕተኛታትና ብምሽው ዝኾኑ ኩነታት ብምዝውታር ምስ ተርጎምትና ናይ ነዊሕ ኣዋን ዝምድናታት
ምምስራት እዩ።
ንምዃኑ ብሓቂ ቀሊል እዩ፡ ሓደ ናይ ምትርጓም ኣገልግሎት ሕሉፍ ፍቕሪ ናይ ቋንቋ ዘለዎ እዩ።
ብዕዙዝ ደሓን ምጻእ


ብጽሑፍ ምትርጓም

ዓቕሚ ትልምና
ብዙሓት ናይ ካልኦት ቤት ጽሕፈታት ናይ ምትርጓም ዕማማት ካብ ነዊሕ ዓመታት ኣትሒዙ ናባና እዩ ተመሊሱ
ዝመጽእ፡ ብሕልፊ እቲ ዝያዳ ዝተሓላለኸ ትልምታት ናይ ኣዝዮም ዘይልሙዳት ቋንቋታት፡ ዘይልሙድ ትሕዝቶ
ፊደላትን ፍሉይ ናይ ጽሑፍ ጥርዚ ዘለዎምን ዝምልከት። ሓደ ካብ’ቲ ምኽንያታት እቲ ዝተሰነደ ብቕዓትና፡ ነዞም
ዕማማታት እዚኣቶም ብኹሉ ዓይነት ትሕዝቶታት፡ ተምክሮታትን ውሽጣዊ ምንጭታትን ነዚ ግራፊካዊ/ስእላዊ
ፍርያት ንምእላይ ኣብ እንወስዶ ስጉምትታት እዩ። እቲ ካልእ ድማ እቲ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ውሽጢ ኣድማን
ኢንተርናሽዮናል ዝተመስረተ ሰፊሕ ስርዓተ-መርበብ ናይ ዓውዲ ተርጎምቲ እዪ።

ህጹጽ ናይ ጽሑፍ ምትርጓማት

ብዝዕባ ህጹጽ ምትርጓም ዝምልከት ዝብርትዓና ወይ ዘይከኣለና የለን። ነቲ ህጹጽ ናይ ምትርጓም ኣድላይነታትካ ወይ
ህጹጽ ናይ ቋንቋ ትንተና/ዳግመ-ምርመራ ከምኡ’ውን ኣንቢብካ ምእራም፡ ብቑልጡፍን ስቱርን ምእንቲ ሓቢርና
ክንፈትሖ፡ ደውለልና ወይ ጸሓፈልና።

ናይ ብጽሑፍ ተርጎምትና

ኣድማን ኢንተርናሽዮናል ጥራይ ናይ ኣደ ቋንቋ ተርጎምቲ ናይ ምዝውታር ሓደ ነዊሕ ባህሊ ኣለዎ እምበር ነቲ ንጥፈት
ኣብ ድሩቓት ከም’ዚ ዝስመዩ ናይ ምትርጓም ናውቲ ኣይምስረትን እዩ። ቋንቋ ንባዕሉ ሓደ ሂወት ዘለዎ ባህሪ ስለ
ዝኾነ ሂያው ተርጓሚ ኢና ንመርጽ። ካልእ ካብ’ቲ መርገጽና እቲ ናይ ምትርጓም ዕማማትና ኣብ ሽወደን
ከምዝተርፍ ኢና ንገብር – ነቲ ዕማም ካብ ቀጥታ ቁጽጽርና ወጻኢ ብምዝርጋሕ፡ እንተ ወሓደ ብመልክዕ ድሕነት
ናይ ዓማዊልናን ዓማዊሎምን ምሉእነት ኣብ ሓደጋ ከነሳጥሕ ኣይንደልን ኢና።

ብጽሑፍ ተርጎምቲ ሰብ መዚ

መብዛሕትኡ ግዜ ምቱርጓም ጽሑፋት ናይ ግላዊ ሰነድ፡ መርመራ፡ ፍርድታት ወዘተ ከም መሰረት ክረጋገጽ ይጥለብ፡
ስለዚ ካብ ቤት ምኽሪ ጉጅለ ሞያተኛ/ካማርኮለግየት ዝተመዘዙ ናይ ጽሑፍ ተርጎምቲ ይቑጸሩ። ከም ልሙድ ሓደ
ብጽሑፍ ተርጓማይ ናይ ቋንቋ ኣዲኡ መዚ ኣለዎ። ንኣብነት ናይ ኣድማን ኢንተርናሽዮናል መስራቲ፡ እቲ ኣብ ሽወደን
ብቋንቋ ዓረብ ብጽሑፍ ዝያዳ ብቕዓት ዘለዎ ተርጓሚ እዩ።


ስእላዊ ፍርያት

ካልእ ኣገልግሎት ኣድማን ኢንተርናሽዮናል ዘበርክቶ ስእላዊ ፍርያት ብኹሉ ናይ ዓለም ቋንቋታት፡ ብናይ ጽሕፈት
ምእዘና ካብ ጸጋም ንየማን፡ ካብ የማን ንጸጋም ከምኡ’ውን ካብ ላዕሊ ንታሕቲ እዩ።
ሓደ ረብሓ ነቲ ስእላዊ ፍርያት ንሕና ክንገብሮ ምምዛዝ፡ ነቲ ዝተቶርጎመ ቋንቋ ተርድኦ ብምሃብ ብቐጥታ ኣብቲ
ናይ ፍልማዊ ሰነድ ክንሰርሕ ስለ ንኽእል፡ ስለዝኾነ ብኸም’ዚ ኣገባብ ኩሉ ኣብ ቅኑዕ ቦታ ክንሰርዓልካ ኢና።


ብኸምዚ ኣገባብ እቲ ብጽሑፍ ምቱርጓም እቲ ኣሰራርዓ ወይ ስእሊ ብዝይምህሳይ ክካየድ ይኽእል። ብተወሳኺ
እቶም ክቡራት- ዘይላቲናውያን ጽሕፈ-ፊደላት ከም ዓረብኛ፡ ቻይንና፡ ሩስያኛ ወዘተ ምግዛእ ኣየድልየካን።
በቶም መብዛሕትኦም ናይ ስእሊ ፕሮግራማት፡ ንኣብነት ኢንዲዛይን፡ ኢሉስትረይተር፡ ፎቶሾፕን ፋየርዎርክስን ስለ
እንሰርሕ እቲ ናይ ሰነዳት ምስትላም ብጽፉፍ ይግበር። ነቲ ሰነድ ትሰዶ፡ ዝተረፈ ንሕና ነተኻኽሎ፡ ልክዕ ከምቲ
ክኸውን ዘለዎ ካብ ምትሕልላኽ ናጻ።

ሓበሬታዊ ተክኖሎጂ – ብጽሑፍ ትርጎማ

ቅኑዕ ትርጎማ ናይ መርበብ ብዙሃንካ ንጹር ንግዳዊ ጥቕሚ እዩ!
ኣብ ናይ ፎረስተር መጽናዕቲ ዝተሞርኮሰ እቲ ማእከላይ ተጠቃማይ ኣብ’ቶም በቲ ናይ’ቲ በጻሓይ ናይ ኣደ ቋንቋ
ዝተጻሕፉ መርበብ ብዙሃናት ድርብ ግዜ እዩ ዝጸንሕ።
ሓደ ኩባንያ ኣብ ሓደ ሓድሽ ዕዳጋ እግሪ ክትከል ምስ ደልየ፡ ወይ ሓደ መንግስታዊ ቤት ጽሕፈት ምስ ሓደ ናይ ሽቶ
ጉጅለ ብቕኑዕ ኣገባ ርክብ ክገብር ደልዩ፡ እቲ መኽሰባት ናይ ብሓደ ንባህሊ ዝሰማማዕን ቅኑዕን እተራጓጉማ
መርበብ ብዙሃን፡ መብዛሕትኡ ግዜ ሸለል ኢልካ ዝሕለፍ ሓደ ኣገዳሲ ኣካል እዩ። ሓደ ዓቢ ኣካል ናይ ኩሎም
ኣህለቕቲ ናይ ሸመታ ውሳኔ ኣብ’ዚ እዋን እዚ ብናይ ፍተሻ ሞቶረታት እዩ ዝካየድ፡ እዚ ማለት እተን መዓልበኦን ኣብ
መጀመርታ ገጽ ዝርከባ ኩባንያታት፡ መብዛሕትኡ ግዜ እዘን ኩባንያታት እዚአን እየን ዝበለጸ ለውጢ ዘርእያ።
ምኣንቲ ኣብ ላዕሊ ኣብ’ቲ ናይ መፈተሺ ሞቶረ ናይ ደረጃ ስርዓት ክትዓልብ፡ ሓደ ናይ ሃገር ብናይኣደ ቋንቋ መርበብ
ብዙሃን ኣልፋን ኦመጋን እዩ፡ ምኽንያቱ እቶም ኣህለቕቲ ፍርያትን ኣገልግሎትን ብቋንቆኦም ገይሮም ንኽፍትሹ
ዝዓበየ ኣኽእሎ ስለ ዘሎ።
ካብ’ቲ እቶም ዕዳጋኻ ክብ ኣበልትን ኣማዕበልትኻን ክቕጽልዎ ዘይክእሉ ተበጊስና ኢና ንቕጽል፡ እዚ ድማ ባህሊ-
ከምኡ’ውን ናይ’ቲ መርበብ ብዙሃን ብቋንቋ ከምዝሰማማዕ ምግባር እዩ።
ሓደ ትሕዝቶ ናይ ምምሕዳር ስርዓት ይሃልወካ ኣይሃልወካ ብዘየገድስ ክንሕግዘካ ንኽእል ኢና። ነቲ ሰነዳት
በብዝምልከቶ ቋንቋ ኣብ’ቲ ገጽ ብዙሃንካ ብቐጥታ ክምላእ ዝከኣል፡ ብቐጥታ ኣብ’ቲ ናይ ምንጪ ሰነድ
ሰሪሕናን ክንልእኽን ንኽእል ኢና። ንዓና ክትቆጽረና እንከለኻ ሓደ ቅኑዕ ምትርጓም ጥራሕ ዘይኮነስ እንታይ ደኣ እቲ
ናይ’ቲ መርበብ ብዙሃን ኣሰራርዓ ከምኡ’እውን ናይ ኣዘውታሪ ምሹእነት ኣብ’ቲ መስርሕ ከምዘይህሰ ውሕስነት
ንህበካ። ካብ ምብራቓውን ክሳብ ምዕራባውን ናይ መርበብ ጽፍሒ-ፊደል፡ ከምኡ’ውን ካብ የማን ናብ ጸጋም፡
ካብ ጸጋም ናብ የማን፡ እወ፡ ካብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ ናይ ጽሕፈት ምእዘና ከይተረፈ፡ እውን ኢና ንሰርሕ!
ብዝተፈላለዩ ብዙሓት ናይ መርበብ መሰረት ምውዐላታትን ቅርጽን፡ (ኣአስፕ፡ .ሆተአምአል፡.ደሆተአም፡ ፐሆፐ)
ዘጠቓልል ውሽጣዊ ብቕዓት ኣለና። ሓደ ሓደ ካብ’ቶም እነዘውትሮም፡ ድሪምዊቨር፡ ኤክስአምአል፡ ሆተአምአል፡
ደሆተአምአል፡ ፋየርዎርክስ፡ዣቫ፡ አክስአስአልተ፡ ኣአስፐ፡ ፍላሽ፡ ዣቫስክሪፕት፡ ኮም፡ ፍሪሃንድ ወዘተ። ከምኡ’ውን
ምእንቲ እቲ ኩሉ ጽሑፍ ብቑኑዕ ኣብ’ቲ መርበብ ብዙሃንካ ክቕመጥ ናይ መጻኢ ምዝማንን ክንክንን ናይ ግድን
ንሕግዝ ኢና። ኣድማን ኢንተርናሺዮናል ኣበ ምቑጻር ኩሉ ግዜ ዉሕስነት ክስመዓካ ኣለዎ። ምእንቲ ዝያዳ
ክንገልጸልካ ምሳና ርክብ ግበር።
ናይ ሽወደን ዝገደመ ናይ ምትርጓም ቤት ጽሕፈት ናይ ሽወደን ዝያዳ ግዝያዊ ዝኾነ ናይ ኢንተርነት መፍትሒ ኣለዎ!


ርክብ

ናይ መብጽሒ ኣድራሻ፡ ስቨያቨገን 45፡ 1 ደረጃ ንላዕሊ፡ 111 34 ስቶኮልም
ፖስት ኣድራሻ፡ ብረቭበራርባከን 2፣ 125 53 አልቭሽዮ
ሞቢል፡ 070-751 15 15
http://www.admansprak.se